08/06/2026
"ኣብ ዓለም ዘሎ ነገር ኩሉ ናቱ ናይ ምብሳልን ምዕባይን ግዜ ኣለዎ። ሓደ ዘርኢ ምስ ዘራእካዮ፣ ብኡንብኡ ፍረ ኣይህብን እዩ። ግዜ ወሲዱ፣ ማይን ጸሓይን ረኺቡ፣ ሱር ሰዲዱ እዩ ዝፈሪ። ህይወትና እውን ከምኡ እያ፤ ጻዕርና ፍረ ክሳብ ዝህብ ግዜ የድልዮ እዩ።
✍️ትዕግስቲ ማለት ኢድካ ኣጣሚርካ ምጽባይ ማለት ኣይኮነን። ክሳብ እቲ ትጽበዮ ግዜ ዝመጽእ፡ ብእምነት፣ ብተስፋን ብስራሕን ምጽናዕ ማለት እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ እዩ ሰብ ዝበስልን ሓይሊ ዝረክብን።
✍️ ብዙሕ ግዜ ነገራት ቀልጢፎም ክኾኑልና ንደሊ ንኸውን፣ ምኽንያቱ ንሕና ክንርእዮ ዝኽእል ግዝያዊ ኩነታት ጥራይ ስለ ዝኾነ። ህይወት ግን ካብቲ ንሕና ንሓስቦ ንላዕሊ ዝዓበየ መደብ ኣለዋ። እቲ ዝበለጸን ዘላቕን ዓወት ዝመጽእ፣ ኩሉ ኩነታት ተጻፊፉ ኣብቲ ዝበለጸ ግዜኡ ምስ በጽሐ ጥራይ እዩ።
✍️ህውኽ ወይ ጭንቀት ንነገራት ኣየቃላጥፍን እዩ፣ ሓይልና ጥራይ እዩ ዝውድእ። ስለዚ፣ ሎሚ ክትገብሮ ዘለካ ጻዕሪ ብእምነት ግበር፣ እቲ ዝተረፈ ግን ንግዜን ንፈጣርን ሕደገሉ። ኩሉ ነገር ኣብቲ ትኽክለኛ ግዜኡ ውቁብ ኮይኑ ክመጽእ እዩ።
✍️ሓደ ሓደ ግዜ እቲ መንገዲ ጸልማት ይመስል፡ ኩሉ እንገብሮ ይፈሽል፡ "ንምንታይ ኣነ?" ሰብ ኢና፡ ንደክም፡ ነገራት ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ምስ ዝመስሉና ተስፋ ንቖርጽ። በይንና ክስመዓና ከሎ፡ ክሕግዘና ዝኽእል ሰብ ከም ዘየለ ኮይኑ ይስምዓና... ጓሂ ይስምዓና። .
👉ሓንቲ ዓባይ ሓቂ ግን ኣይንረስዕ፡ "ደኺምና ኢና ፈጣሪ ግን ኣይገድፈናን!" እቲ ምሳና "ዝተዓጽወ" ማዕጾ ምስ ፈጣሪ "መጀመርታ በረኸት" ክኸውን ይኽእል እዩ። ሎሚ ኣብዚ ትማሊ ዝሓለፍናዮ ኩነታት ለውጢ እንተዘይርኢና ጽባሕ ውጽኢት ጻዕርና ብዓቢ ሓጎስ ክመጽእ ብርግጽ እዩ። ፈጣሪ ኣብቲ ዝደለናዮ ግዜ ዘይኮነስ ኣብቲ ንዓና ዝጠቅም ግዜ እዩ ዝህበና! ___ .
✍️